- Популярные видео
- Авто
- Видео-блоги
- ДТП, аварии
- Для маленьких
- Еда, напитки
- Животные
- Закон и право
- Знаменитости
- Игры
- Искусство
- Комедии
- Красота, мода
- Кулинария, рецепты
- Люди
- Мото
- Музыка
- Мультфильмы
- Наука, технологии
- Новости
- Образование
- Политика
- Праздники
- Приколы
- Природа
- Происшествия
- Путешествия
- Развлечения
- Ржач
- Семья
- Сериалы
- Спорт
- Стиль жизни
- ТВ передачи
- Танцы
- Технологии
- Товары
- Ужасы
- Фильмы
- Шоу-бизнес
- Юмор
Tigrinya: ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም፤ ናይ ኣሳይለም ሓተትቲ ክፈልጥዎ ዝግብኦም ነገር
ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም፤ ናይ ኣሳይለም ሓተትቲ ክፈልጥዎ ዝግብኦም ነገር
ካብ ሓደ ዓመት ንዓቐብ ግዜ ዝወሰደ ናይ ኣሳይለም ጉዳይ ዘለዎም ሰባት ኣብ ከይዲ ዘሎ ጉዳዮም ንኽቕፅል ሓዲሽ ዓመታዊ ክፍሊት ንመንግስቲ ዩናትድ ስቴትስ ንክኸፍሉ ግዲ ኾይኑ ኣሎ። እዚ እውን ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም ወይ AAF ይባሃል።
ካብ ግንቦት 29 ዕለት 2026ዓምፈ ጀሚሩ፤ መንግስቲ ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም ብግዜ ገደቡ እንተ ዘይተኸፊሉ ነቲ ኣብ ከይዲ ዘሎ መመልከታ ኣሳይለም ከም ዝስርዞ ይነግር ኣሎ። ዩናይትድ ስቴትስ ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ወይ USCIS ሰባት USCIS ካብ ዘፍለጦም እዋን ብ30 መዓልቲ ክኸፍሉ ግዲ ከም ዝኾነ ይነግር ኣሎ። ኣብ ናይ ኢሚግሬሽን መጋባእያ እቲ ግዜ ገደብ ዝሓፀረ ክኾን ስለ ዝኽእል ነቲ ዕላዊ ግዜ ገደብ ንምፍላጥ ናይ ዳኛ ትእዛዝ ተኸታተሉ ኢኹም።
መንግስቲ ዘገድድ ነንሕድሕድ መመልከታ ሓደ ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም በብዓመቱ ንክኽፈል እምበር ኣብ ሓደ ስድራ ብሓደ መመልከታ ንዝተመዝገቡ ነንሕድሕዶም ኣባላት ሐሓደ ክፍሊት ንክኸፍሉ ኣይኾነን።
ኣብ USCIS ንዘለዉ ጉዳያት ብዘርእይ፤ እዚ ካብ ጥቅምቲ 1 ዕለት 2024ዓምፈ እስካብ መስከረም 30 ዕለት 2025ዓምፈ ንዘሎ ኹሉ ኣብ ከይዲ ዘሎ ናይ ኣሳይለም መመልከታ ዝሓውስ እዩ። ኣሳይለም ድሕሪ ጥቅምቲ 1 ዕለት 2024ዓምፈ ንዘመልከቱን ጉዳዮም ኣብ USCIS ን365 መዓልትታት ዝቐፀለ እንተ ኾነ እውን ኣብዚ ይሓወስ እዩ።
እቲ ዓመታዊ ክፍሊት ካብ ጥሪ 1 ዕለት 2026ዓምፈ ጀሚሩ $102 እዩ። እዚ ድማ ካብ 2025ዓምፈ ካብ ዝተጀመረ $100 ናይ ሓዲሽ መመልከታ ክፍሊት ዝተፈለየ እዩ። መንግስቲ ንመጠን ክፍሊት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክቕይሮ ይኽእል እዩ።
መንግስቲ ነቲ ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም ኣመልከቲ ንኽስረዘሎም ክሓቱ ኣይፈቅድን እዩ። ነቲ ክፍሊት ምክፋል ዘይትኽእሉ እንተ ኾይንኩም፤ ኣብ ከባቢኹም ንዝርከቡ ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ብህፁፅ ርኸብዎም። ኣብ ቬርሞንት እትነብሩ እንተ ኾይንኩም፤ ምስ ቬርሞንትን ኒው ሃምፕሸርን ኣሳይለም ሓገዝ ኔት ወርክ ንከራኽቡኹምን ሓገዝ ገንዘብ እንተሎ ክትሓቱን ይኹን። ሓገዝ ዘድልየኩም እንተ ኾይኑ እስካብ ግዜ ገደብ ዝውዳኣሉ ኣይትፀበዩ።
ናይ ኣሳይለም ጉዳይኩም ምስ USCIS እንተ ኾይኑ፤ ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም ኣብ ዕላዊ ናይ USCIS መርበብ ሓበሬታ ገፅ ክፍሊት ክፈሉ።
ጉዳይ ኣሳይለምኩም ኣብ መጋባእያ ኢሚግሬሽን እንተ ኾይኑ ኣብዚ ክፍሊት መርበብ ሓበሬታ ኦንላይን Executive Office of Immigration Review ("EOIR") ክፈሉ። ግዜ ገደብ ካብ ዳኛ ተኸታተሉ። ቅብሊትኩም ዓቕቡን ንመጋባእያን ንመንግስቲ ዝውክሉ ጠበቃታት ICEን ኣርእዩን።
ብዝሓለፈ ዓመት ውሽጢ መመልከታ ኣሳይለም ምስ ትመልኡ ኦሮማይ ክፍሊት ዝኸፈልኩም እንተ ኾይንኩም፤ ነዚ ዓመታዊ ክፍሊት ሕጂ ክትከፍሉ ኣይግባኣኩምን ይኸውን። ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም ካብ እቲ $100 ሓዲሽ መመልከታ ኣሳይለም ክፍሊት ዝተፈለየ እዩ። መንግስቲ እቲ ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም ናይ ኣሳይለም መመልከታ ሓደ ዓመት ከይሓለፎ ንክኽፈል ከይሕተት ኢሉ ኣሎ። ጉዳይኩም ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝገበረ እንተ ኾይኑ፤ ክፍሊትኩም ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ረኣዩ ግና እቲ ክፍሊት ጌና ኣይበፅሐን ዝብል ከርእይ እዩ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ ወይ ናይ ዳኛ ትእዛዝ ክፍሊት እዋን ኣኺሉ እንተ ኢሎም፤ ኣቐዲምኩም ንዝኸፈልኩምዎ መረጋገፂ ዓቅቡን ንዝእመን ናይ ሕጊ ኣገልግሎት ቅድሚ ግዜ ገደብ ምውድኡ ሓገዝ ሕተቱን። ኣብ ቬርሞንት፤ ናብ ቤት ፅሕፈት local service partner ብምኻብ ክትቀርቡ ትኽእሉ ወይ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣመልክቱ።
ነቲ ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም ብግዜ ገደቡ እንተ ዘይኸፊልኩም፤ USCIS ጉዳይ ኣሳይለምኩም ክነፅግ ከም ዝኽእል ዘክሩ። ምስኡ እውን USCIS ብመሰረት ኣሳይለም ዝወፅአ ናይ ስራሕ ፍቓድኩም ወይ ኣብ ከይዲ ዘሎ መመልከታ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክስርዙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ናይ ኢሚግሬሽን መጋባእያ፤ ናይ ኣሳይለም ጉዳይኩም ዳኛ ክነፅጉ ወይ ክስርዙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ውሳነ ናይ መወዳእታ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብዚ እዋን ነዚ ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም ምኽፋል ይግባኣኩም ስለ ምዃኑን ዘይምዃኑን ርግፀኛ እንተ ዘይኾይንኩም፤ ናብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊት USCIS ተወከሱ። ኤ-ቁፅርኹምን ናይ ኣሳይለም ቁፅርኹምን ኣእትዉ። እቲ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊት ጌና ኣይበፅሐን ዝብል እንተ ኾይኑ፤ ካሊእ ግዜ ፈትኑ። እቲ መርበብ ሓበሬት ንኽትከፍሉ ዝፈቕደልኩም እንተ ኾይኑ፤ እንተ ክኢልኩም ክፈሉ። ቅብሊትኩም፣ መከታተሊ ቁፅሪን screenshotን ዓቂብኩም ሓዙ።
ዝበለፀ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ተመሃሩ።
Видео Tigrinya: ዓመታዊ ክፍሊት ኣሳይለም፤ ናይ ኣሳይለም ሓተትቲ ክፈልጥዎ ዝግብኦም ነገር канала Vermont Language Justice Project

Комментарии отсутствуют
Информация о видео
21 мая 2026 г. 5:30:26
00:06:30
Другие видео канала