Загрузка страницы

NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l ዕላል ምስ የዕሩኽን በዓልቲ ቤትን ነፍስሄር ስነ ጥበበዊ ሳምሶም ተወልደ l ቦጓለ/ሽጒጥ l ሓገዝ

#eritreanmovie​ #eritreancomedy​ #eritreanmusic​
1. 💲💲💲ቁጽሪ ተሌፎን በዓልቲ ቤት ስነ ጥበበዊ ሳምሶም ተወልደ (ሰምሃር ኒኖ) 07118534 እያ።
2. 💲💲💲GoFundMe ስነ-ጥበባዊ ሳምሶም ተወልደ 💲💲💲:https://gofund.me/35bdc8aa
ንትገብርሎም ምትሕግጋዝ ኣቀዲምና ነመስግን፡፡ Full sponsor of EFRA SHOW - RUBA ERI Entertainment.
contact us @t petu.bairu@gmail.com Or (1+ 650 338 9353 USA)

ስነ ጥበበኛ ሳምሶን ተወልደ- ቦጓለ ወይ ሽጒጥ
R.I.P Samaon Tewolde
ስነ ጥበበኛ ሳምሶን ተወልደ- ቦጓለ ወይ ሽጒጥ’ውን ሓለፈ።
ድርብ ሳጓ እዩ ኔሩዎ። ብመተዓብይቲ ቦጓለ ብስነ ጥበበኛታት ሽጒጥ። ማይተመናይ በታ ቀዳመይቲ ሲኔማ ኣዝመራ ድማ በቲ ካልአይቲ ይፍለጥ። ናይ ሲኔማ፡ ተለቪዥንን መድረኽን ተዓዘብቲ ድማ በተን ዝሰርሐን ጠባይ ድራማታት ይጽውዕዎ። ብኽምስታ ምስ ተኸፍታ ጽቡቓት ደርጊ ኣስናኑ ከኣ፡ ከም መለለዪኡ ኔረን።
ሳምሶም፡ ሓደ ካብቶም ብሕዉስ ምቑልልን ጥዑምን ባህርያቶም ዝፍለጡ ተዋሳእቲ እዩ ኔሩ። ልሳኑ’ውን ጥዑም “ሓወይ ሓፍተይ” ዝብል ቃል መኽፈቲ ኣፉ ነበረ። ንኹራን ገጭገጭን ኣብ ጥቕኡ ስለ ዘየቕርበን፡ ብዓበይቲ ብንኣሽቱ፡ ብነበራትን ሓደስትን ተዋሳእቲ፡ ብደረስትን ኣለይትን፡ ብሰኣልትን ኤዲተራትን ኣዝዩ ፍቱው ክኸውን ኣኽኢልዎ።
ንጠባዩ ዝድርዕ ዓቕሙ’ውን ፉዕን ትጉህን ተዋሳኣይ ከስምዮ ክኢሉ። ስለዝኾነ ከኣ፣ ብሓያሎ ዳይረክተራት ካብ ቀዳሞት ምሩጻት ተዋሳእቲ ክኸውን ናይ ግድን ኔሩ። ዝተዓደሎ ባህሪ ክላበስ ዘይሽገር ዝነበረ ሳምሶም፡ ከም ወዲ ከተማን ገጠርን፡ ወተሃደርን መኮነናን፡ ሰላይን ኣፍቃርን፡ ጨካንን ለዋህን… ከም ኩሉ ኮይኑ ክዋሳእ ኣይተጸገመን።
ሓደ ካብቶም ንድንቀ ብቕዓቱ ቆሊቦም ስሙ ኣብ ምዕዛዝ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ፡ ስነ ጥበበኛ ኤፍሬም ካሕሳይ ወዲ ኳዳ እዩ። ቅንያት ናጽነት 2001 ስሙ ኣብ ዘዕብይ ናይ መድረኻት ተዋስኦ ኣሳቲፉ፡ ሽጒጥ ዝብል ሳጓ ክሳብ ዝጠብቆ ኣፍሊጥዎ። ኣብቲ እዋን ዝቐረባ፡ ኣግላይ፡ ፕላሌት ኣእምሮ፡ ዕግበት፡… ኣብ ሓያሎ ስራሕ ስሙ ኣዕብዩ። ተፈታውነቱ ኣዕዚዙ። ተደላዪ ተዋሳኣይ ኮይኑ። ኣብ ሓያለ ዝተዓወታ ፊልምታት መሪሕ ጠባይ ክሕዝ ክኢሉ።
ሳምሶም፡ ዕባይ ማይተመናይ ጎደና 807 ጥራይ ተባሂሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብየማንን ጸጋምን ፍቱው እዩ ኔሩ። ፓራዲዞን ሓዝሓዝን እምባጋልያኖን ዕዳጋ ሓሙስን’ውን ከም ፍቱው ወድ ገዛውቶም እዮም ዝርእዩዎ።
ኣባል ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ። ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ወዲኡ ከም ኤለትሪሻን ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ሰሪሑ 1997 ናብ ልምዓት ወፊሩ። ብእኡ ኣቢሉ ናብ ግንባር ከቲቱ። ኣብ ሰለስተኡ ኲናት ተሳቲፉ እዩ፡ ብዘጋጠሞ መውጋእቲ ተመላላሲ ጸኒሑ ኣብ መወዳእታ ተፋንዩ።
ኪዳንን ምሕዝነትን ዘይሰብር ባህሪ ዝነበሮ ሳምሶም፡ ኣብ ግዜ ኣገልግሎት ዝተላለዮምን ዘጥረዮምን ኣዕሩኽ ናብ ዝምድና እዩ ዝቕይሮም። ዳርጋ ኣብ ብዙሕ ከተማታት ኤርትራ ኣዝማድ ኣጥርዩ። ናይ ኣዕሩኽቱ ጥራይ ዘይኮነ ጥምቀት መርዓን ሓዘንን ኣዝማድ ኣዕሩኽቱን ከይተረፈ ጫፋት ኤርትራ ዝበጽሕ ሰብኣዊ ባህርይ ነበሮ። ምስ ኩሉ ከንብር ዝኽእል ጥዑም ጠባይ ካብቶም ዝነበሮምን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ፊተ መሪሕ ቦታ ዝሕዝ ምንባሩን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ድሕሪ ዕረፍቲ ህይወት ኣቦኡን ኣደኡን ሓዳር መስሪቱ ምስ ፍረወይኒ ሓፍቱ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዓቢ ሓዉ ጆን ካብ ዓዲ ቀይሕ ጠቕሊሉ ናብ ኣስመራ ስለ ዝመጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ዘጋጠሞ ሕማም ረዳእን ኣላዪን ክረክብ ክኢሉ። ስድራኡ ብውሽጢ ውሽጢ ከጥቅዖ ዝጸንሐ ሕማም ካንሰር ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ኔሩዎም፡ ሓጺር ግዜ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ። ገዝኡ ምስ ተመልሰ ከኣ ዓሪፉ። ትማሊ ንግሆ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ድማ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ፍቕርን ደገፍን ጎረባብቲ ከኣ ኣይተፈልዮን።
ጥዑምን ተዘካርን ሰብ ኣብ ልቢ ተዓዘብቲ ነባሪ እዩ።
ሰላም ዕረፍቲ መተዓብይቲ ስነ ጥበበኛ ሳምሶም ተወልደ ቦጓለ።
Teafalem Gebresilasie
https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=2715196485432557&id=100008266965952
ወየ ንሳምሶሞየ!
ሳሚ ክብለካ መዓብይቲ
ከም ሓው ዓርከት መጓጅምቲ
እንታይ ስማዕ'ዩ እዚ ለይቲ
ተፈሊኻ ዶ ኣብዚ ወቕቲ።
ከም ኪነታዊ ከም ተዋስኣይ
ዓይኻ ኣብ ኩሉ ጥዑም ደሃይ
ከም ወትሃደር ከም ተማሃራይ
ተራኢኻ ኣብ ዓለም ጣልማይ።
ኣሻቡ ድኣ ሓወይ እዚ ንቕሎ
ናብቲ ዘይተርፍ ብግዜና እንውዕሎ
ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ እንካፈሎ
ገስጊስካሲ ተሰማዓና ጎደሎ።
ሳሚ ዘብሔረ ሳሚ ኣዝማሪኖ
ሳሚ ኩሉ ዓዱን ዓውዱን ወይኖ
ሳሚ ጻዕዳ ባህሪ ዝውንኖ
ሳሚ ሸባብ ወትሩ ፊኖ።
ሕማም ዶ ጌሩልካ ናይ ሳልስቲ
ያኢ መደዓዓሲ ነቶም ቀረብቲ
ንስኻን ደሃይካን ተናፈቕቲ
ከመይ ይፍለ እሞ ካብ ኣዒንቲ።
እዋይ ብዓል ንሕና ምሂተኖ
ኣብ ስደት ሰፊርና ንዛውኖ
እኳ ከይረኸብናካ ብተላፊኖ
እንሆ ንነብዕ ኣብዚ ኲንዮ!
ከም ወዲ ጆን ኰንካ እቲ እነኽብሮ
ምስልኻን ተግባርካን እንዝክሮ
ከም ሰሌ ከም ኣቴ እቶም ወፋሮ
ዘይትምለስ ኰንካ እምበኣር ድሮ!
በል ፍቑር ሰብና ከም ወዲ እኖ
ኰነ ካብ ተባህለ የለን ዝኽወኖ
ፈጣሪ ይቀበልካ እንታይ ይሰኣኖ
ንስድራን ፈተውትን የጽናዓና ብውኖ!!!
ይስሓቕ ኣብርሃም
(መዓብይትን መዋስእትን)
ሰነ 2020
Please SUBSCRIBE and SHARE. Thank YOU.
https://www.YouTube.com/c/RUBAERITREA​
℗ © Copyright: Ruba Eri Entertainment
Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited.

Видео NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l ዕላል ምስ የዕሩኽን በዓልቲ ቤትን ነፍስሄር ስነ ጥበበዊ ሳምሶም ተወልደ l ቦጓለ/ሽጒጥ l ሓገዝ канала RUBA ERI Entertainment
Показать
Комментарии отсутствуют
Введите заголовок:

Введите адрес ссылки:

Введите адрес видео с YouTube:

Зарегистрируйтесь или войдите с
Информация о видео
20 апреля 2021 г. 12:00:09
00:30:03
Другие видео канала
NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l ዕላል ምስ ገዲም ስነ-ጥበብዊ ፍቃዱ ትኩእ l ፍቄ l ሓገዝኹም ኣይፈለዮ l PART - 1 l 2021NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l ዕላል ምስ ገዲም ስነ-ጥበብዊ ፍቃዱ ትኩእ l ፍቄ l ሓገዝኹም ኣይፈለዮ l PART - 1 l 2021Interview Hani Beletsom  part 1  ዕላል ምስ ስነጥበበኛ ሃኒ በለጾም 1ይ ክፋል   ኣብ  haben showInterview Hani Beletsom part 1 ዕላል ምስ ስነጥበበኛ ሃኒ በለጾም 1ይ ክፋል ኣብ haben showMahderna# Eritrean full film Adhal  ሙሉእ ፊልም ኣድሃል ብሽሻይ  ሓይልኣብMahderna# Eritrean full film Adhal ሙሉእ ፊልም ኣድሃል ብሽሻይ ሓይልኣብNEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l ዕላል ምስ የዕሩኽን በዓልቲ ቤትን ነፍስሄር ስነ ጥበበዊ SAMSOM TEWOLDE l ቦጓለ/ሽጉጥ l ሓገዝNEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l ዕላል ምስ የዕሩኽን በዓልቲ ቤትን ነፍስሄር ስነ ጥበበዊ SAMSOM TEWOLDE l ቦጓለ/ሽጉጥ l ሓገዝNEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l FEVEN SAHLE Interview l ዕላል ምስ ስነ-ጥበባዊት ፌቨን ሳህለ l PART - 3 l 2021NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l FEVEN SAHLE Interview l ዕላል ምስ ስነ-ጥበባዊት ፌቨን ሳህለ l PART - 3 l 2021ሳይዳ፡ ዕላል ምስ ተጋዳሊት ኣብርሃጽዮን መንግስቱ (ጓል ለተ) | Sayda - A conversation with Tegadalit Abrehazion Mengistuሳይዳ፡ ዕላል ምስ ተጋዳሊት ኣብርሃጽዮን መንግስቱ (ጓል ለተ) | Sayda - A conversation with Tegadalit Abrehazion MengistuNEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l FEVEN SAHLE Interview l ዕላል ምስ ስነ-ጥበባዊት ፌቨን ሳህለ l PART - 2 l 2021NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l FEVEN SAHLE Interview l ዕላል ምስ ስነ-ጥበባዊት ፌቨን ሳህለ l PART - 2 l 2021EMN - ሓይላ ኣብ መንፈሳ - Eritrean Media NetworkEMN - ሓይላ ኣብ መንፈሳ - Eritrean Media NetworkHDMONA SHOW - Coming Soon - ጽላል ሾው  TSilal Show  -  New Eritrean Show 2021HDMONA SHOW - Coming Soon - ጽላል ሾው TSilal Show - New Eritrean Show 2021HDMONA - Full Movie - ሞውስቦ ሎሚ ቕነ ብ ኣማን ናሕሽ Mewsbo Lomi Kne by Aman Nahsh - New Eritrean Drama 2021HDMONA - Full Movie - ሞውስቦ ሎሚ ቕነ ብ ኣማን ናሕሽ Mewsbo Lomi Kne by Aman Nahsh - New Eritrean Drama 2021HDMONA - ዳያና-2 ብ ዳኒኤል ተስፋገርግሽ (ጂጂ) Diana-2 by Daniel Tesfagergish (JIJI) - New Eritrean Comedy 2021HDMONA - ዳያና-2 ብ ዳኒኤል ተስፋገርግሽ (ጂጂ) Diana-2 by Daniel Tesfagergish (JIJI) - New Eritrean Comedy 2021NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l FEVEN SAHLE Interview l ዕላል ምስ ስነ-ጥበባዊት ፌቨን ሳህለ l PART - 1 l 2021NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l FEVEN SAHLE Interview l ዕላል ምስ ስነ-ጥበባዊት ፌቨን ሳህለ l PART - 1 l 2021Mestyat Betna | ኢትዮጵያዊ ጀነራል የውሃንስ ገብረ መስቀልን ህግደፋዊ የማነ ሻርልን ንሓድሕዶም ተወናጂሎምMestyat Betna | ኢትዮጵያዊ ጀነራል የውሃንስ ገብረ መስቀልን ህግደፋዊ የማነ ሻርልን ንሓድሕዶም ተወናጂሎምNew Eritrean Movie I EFRA SHOW I ሓገዝ ንበዓልቲ ቤት ስነ-ጥበባዊ ኢሳይያስ ዳዊት (ኣሞረ) ሰናይት ሓድጉ ቁጽሪ ተሌፎን 07176161New Eritrean Movie I EFRA SHOW I ሓገዝ ንበዓልቲ ቤት ስነ-ጥበባዊ ኢሳይያስ ዳዊት (ኣሞረ) ሰናይት ሓድጉ ቁጽሪ ተሌፎን 07176161Dawit Eyob - New Eritrean Comedy 2021 / Fqri Haragts /ፍቕሪ ሓራግጽ (Official Video Ararat Entertainment)Dawit Eyob - New Eritrean Comedy 2021 / Fqri Haragts /ፍቕሪ ሓራግጽ (Official Video Ararat Entertainment)ሓየሎም በረቐ ገንዘበይ ጠሊሙኒ ዝእመን ተሳኢኑሓየሎም በረቐ ገንዘበይ ጠሊሙኒ ዝእመን ተሳኢኑPart 22 - ወለዶም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ስኢኖም ንሕንጢጥ ካብ ሞት ዝተረፉ ዕሸላትPart 22 - ወለዶም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ስኢኖም ንሕንጢጥ ካብ ሞት ዝተረፉ ዕሸላትBRHIN ENTERTAINMENT - ህልኽን ድልኽን ቁ.2 - Hlkin Dlkin By Kidane Girmay(Brhin) - New Eritrean Comedy 2021BRHIN ENTERTAINMENT - ህልኽን ድልኽን ቁ.2 - Hlkin Dlkin By Kidane Girmay(Brhin) - New Eritrean Comedy 2021NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l ሓገዝ ንሕክምና l ስነ-ጥበባዊ ዜናዊ ሲዩም l ሓገዝ - ዓዓቅምና ንሓግዝ የሕዋት።NEW Eritrean Movie l EFRA SHOW l ሓገዝ ንሕክምና l ስነ-ጥበባዊ ዜናዊ ሲዩም l ሓገዝ - ዓዓቅምና ንሓግዝ የሕዋት።
Яндекс.Метрика