'ባ ሕ ሪ' ብ ጠዓመ መራኪ።
ባ ሕ ሪ
ኣብቲ ቓሕ ሰም ሓጺር ካልኢት
ናይ ተፈጥሮ ድቕድቕ ጸልማት
ትንፋስ ዘይህብ ማዕበል ጽፊዕት
ረዳኢ ዘይብሉ ብርቱዕ ኣውያት
ተደሚርዎ ነበልባል ሓዊ እሳት
ብርቱዕ ቓልሲ ንምድሕን ሂወት
ላዕልን ታሕትን ናይ መወዳእታ ሰዓት
ኣብ ዓለም ተመዝጊባ ጸላም ዕልት
ጨካን ባሕሪ ላንፓዱዛ
ስቃይ ገዲፍክልና ከቢድ ቃንዛ
ሰባት ወሲድካ ከምብዋዛ
ብሓዘን ዓለም ኩላ ተኪዛ
ግዘ ነዊሑ ንብዓት ክዛሪ
እቲ መንእሰይ ቡዙሕ ዘፍሪ
ከይጸገባ እዛ ዓለም ጻዕሪ
ወስድካዬ ኣሕጺርካሉ ዕምሪ
ይኣክል በለና ናይ ዘሓለፈ
እንዳረኣየ ካብ ጃልባ ዝጸደፈ
ተስፋ ጽባሕ ሂወቱ ዝሓለፈ
ከም ዓሳ ረሳኦም ዝተገፈ
ድሕሪ ከቢድ ሰቓይ መከራ
ጥምየት ጽምኢ ናይ ሰሃራ
ተጸቢት ነይርዎ ነባሕሪ ክሰግራ
ኣትየ ኢሉ ንወላዲት ከበስራ
ግን አንታ ባሕሪ ተጻቢእካዬ
ኣፍካ ከፊትካ ተጸቢካዮ
ተስፋ መጻኢኡ ኣቓሪጽካዮ
ዕሸል ዕድሚኡ አሕጺርካዬ
ነይሮም ናእሽቱ ህጻናት
ወላ ሓደ ዘይፈልጡ ንጹሃት
ጎራዙ ብጹሓት ወርሒ ጥኑሳት
ጠፊኦም ረዳኢ ዘብሎም ብኣውያት
ሎሚስ በጃካ ይኣክል
ኣይተጸልምቶ መጻኢ ዕድል
ክሳብ ዝውዳእ ዘለና መጋድል
ጠዓመ መራኪ።
Видео 'ባ ሕ ሪ' ብ ጠዓመ መራኪ። канала Bright Future of Eri
ኣብቲ ቓሕ ሰም ሓጺር ካልኢት
ናይ ተፈጥሮ ድቕድቕ ጸልማት
ትንፋስ ዘይህብ ማዕበል ጽፊዕት
ረዳኢ ዘይብሉ ብርቱዕ ኣውያት
ተደሚርዎ ነበልባል ሓዊ እሳት
ብርቱዕ ቓልሲ ንምድሕን ሂወት
ላዕልን ታሕትን ናይ መወዳእታ ሰዓት
ኣብ ዓለም ተመዝጊባ ጸላም ዕልት
ጨካን ባሕሪ ላንፓዱዛ
ስቃይ ገዲፍክልና ከቢድ ቃንዛ
ሰባት ወሲድካ ከምብዋዛ
ብሓዘን ዓለም ኩላ ተኪዛ
ግዘ ነዊሑ ንብዓት ክዛሪ
እቲ መንእሰይ ቡዙሕ ዘፍሪ
ከይጸገባ እዛ ዓለም ጻዕሪ
ወስድካዬ ኣሕጺርካሉ ዕምሪ
ይኣክል በለና ናይ ዘሓለፈ
እንዳረኣየ ካብ ጃልባ ዝጸደፈ
ተስፋ ጽባሕ ሂወቱ ዝሓለፈ
ከም ዓሳ ረሳኦም ዝተገፈ
ድሕሪ ከቢድ ሰቓይ መከራ
ጥምየት ጽምኢ ናይ ሰሃራ
ተጸቢት ነይርዎ ነባሕሪ ክሰግራ
ኣትየ ኢሉ ንወላዲት ከበስራ
ግን አንታ ባሕሪ ተጻቢእካዬ
ኣፍካ ከፊትካ ተጸቢካዮ
ተስፋ መጻኢኡ ኣቓሪጽካዮ
ዕሸል ዕድሚኡ አሕጺርካዬ
ነይሮም ናእሽቱ ህጻናት
ወላ ሓደ ዘይፈልጡ ንጹሃት
ጎራዙ ብጹሓት ወርሒ ጥኑሳት
ጠፊኦም ረዳኢ ዘብሎም ብኣውያት
ሎሚስ በጃካ ይኣክል
ኣይተጸልምቶ መጻኢ ዕድል
ክሳብ ዝውዳእ ዘለና መጋድል
ጠዓመ መራኪ።
Видео 'ባ ሕ ሪ' ብ ጠዓመ መራኪ። канала Bright Future of Eri
Показать
Комментарии отсутствуют
Информация о видео
Другие видео канала
![ዓምዲ~ጋዜጣዊት መደብ ምንቅስቃስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ጨንፈር እስራኤል ምዕራፍ 1 ሳልሳይ ክፋል ቁጽሪ 05](https://i.ytimg.com/vi/ZEsCvY8GBJo/default.jpg)
![ግጥሚ፡ ማልስ ብ ይከኣሎ መብራህቶም (ዉጻእ ምዓት ) 03/10/2013 lampedusa](https://i.ytimg.com/vi/m5Y5VC-V1KI/default.jpg)
!["መግለጺ ሓዘን" ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን! ብምኽንያት ዕረፍቲ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ](https://i.ytimg.com/vi/MLETnbKEXcQ/default.jpg)
![ናብ ኩቡር ቻርጅ ኣፈርስ ስተቨን ዎልከር ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ!! 17 ሰነ 2022](https://i.ytimg.com/vi/MulgCZJb38E/default.jpg)
![ርድኢት መንእሰያት ኣብ ባህልን ፡ ነውርን !!!](https://i.ytimg.com/vi/O7sBfaEGrQE/default.jpg)
![Eritrean Smer 4 Change Voice Room Jacobe_8](https://i.ytimg.com/vi/TxgY2BxY0J4/default.jpg)
![ንምሓዎ ንእክሎ፧ ገ/ሂወት ኣብርሃ](https://i.ytimg.com/vi/MUBqtsqxB1w/default.jpg)
![ግጥሚ፡ "ንኽእል" ብሚኪኤለ - ነጋድዬስ](https://i.ytimg.com/vi/QDeQmJ09GWE/default.jpg)
![እቲ ክዕወት ዘለዎ ሓሳብ 'ተኮይኑ: እቲ ክስዓር ዘለዎ'ውን ሓሳብ'ዩ። ዕንወትን ዓወትን ኣብ'ዚ ኩርናዕ'ዚ'ዮም ዝፍጠሩ። ብ ኣዛሄል ዘርእሰናይ](https://i.ytimg.com/vi/Q5J3stNg_OA/default.jpg)
![ጋዜጣዊ መግለጺ ምንቅስቃስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን.](https://i.ytimg.com/vi/2j8S0Ytu9dM/default.jpg)
![ኤርትራ ናይ ሰብ ሃገር እያ ብ ተኽለ-ወይኒ ሃለቃ](https://i.ytimg.com/vi/A84xBN35faw/default.jpg)
![Jacobe_8 ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?ስልጣን ናይ ህዝቢ ዝኸዉን'ከ ብኸመይ መንገዲ?](https://i.ytimg.com/vi/oLCLH0Q6aUs/default.jpg)
![Jacobe_8 & Wedebat 12 Eritrean Smerrr for Change Room1 PART 2](https://i.ytimg.com/vi/RZv28C-AFhk/default.jpg)
![ዝኽሪ ጸላም ዕለት ኣብ ላንፔዱሳ እታ ጸላም ዕለት! 03/10/2022](https://i.ytimg.com/vi/joe7HmEqM_g/default.jpg)
![ንባዕሉ ዘይክእሎ ኣነባብራ ዝፈጠረ ይከኣሎ፡። ብዮናስ ሃ/ስላሴ (ኣድማስ)](https://i.ytimg.com/vi/MRxnoM9w0Y4/default.jpg)
![ጋዜጣዊ መግለጺ ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ። ጥቅምቲ 03 ፣ነቲ ቤትና ኣፍሪሱ ሂወትኩም ዘራሰየ ስርዓት ንምእላይ ሰለም ኣይነብልን።](https://i.ytimg.com/vi/IqMuskfmfjI/default.jpg)
![ጋዜጠዊ መግለጺምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን! ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝግበር ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝኹንን። 05/09/2022](https://i.ytimg.com/vi/bS0CIprSUmA/default.jpg)
![ቃለ-መሕተት ምስ ኣባል ፈጻሚት ኣካል ም/ብ/መ/ኤ ኣቶ ሓጎስ የማነ](https://i.ytimg.com/vi/QDosM-Jr8M4/default.jpg)
![ሓጻር ኮሜዲ, ለበዋ ኣቦይ በረንበራስ](https://i.ytimg.com/vi/w1o28PLluaw/default.jpg)
![ቃላ-መሕተት ምስ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ሓላፊ ክፍሊ-ውደባ ምብመኤ ኣቶ ኤፍረም ሃብተ](https://i.ytimg.com/vi/hCbcydccrys/default.jpg)